ሓደ ገጽ ናይዚ ንእሽቶ ጽሑፍ፡ ንውሑስ ዘቤታዊ ፍርያት ኣብቲ ጽሑፍ ብዘለዉ ቍልፊ ቓላት ብኸመይ ከም እተለልዮ፡ ንሓደገኛታት ዘቤታዊ ፍርያት ብኸመይ ብውሑስ መገዲ ከም እትጕሕፎም ዚምልከት ሓበሬታ፡ ከምኡ'ውን ስድራቤትካ ንጸረ-ባልዕ እትቃልዓሉ ኵነታት ብኸመይ ከም እትንክዮ ዚእምት ጠቓሚ ሓሳባት የካትት። እቲ ኻልእ ገጽ ድማ፡ ንሽዱሽተ ዝውቱራት ዕዮታት ጽርየት ዚምልከት መምርሒ ውሑስ ኣገባባት፡ ከምኡ'ውን ንውሑስ ኣገባብ ምቕባእ ቀለም ዚሕግዙ ጠቐምቲ ሓሳባት ዝሓቘፈ እዩ።